ሱዳን ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ክለዓለላ ሓቲታ

Radio Erena: 15 February 2023

ሱዳን ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳታት ክለዓለላ፡ ብሰንበት 12 ለካቲት ናብ ባይቶ ጸጥታ ውሕሃ ሕቶ ከም ዘቕረበት ተሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ መሬቱ ክትድኩን ዘፍቀደ መንግስቲ ሱዳን ኣምሳያ ውዕለቱ ካብ ሩስያ ናይ ኣጽዋር ድጋፍ ክግበረሉ ከም ዝተሰማምዐን፡ እዚ ናይ ሕጂ ጠለብ ምልዓል ማዕቀብ፣ ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጸ ከም ዝኾነን እዩ ዝግለጽ።

ኣብ 9 ለካቲት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላብሮቭ ናብ ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ነታ ሃገር ኣብ ምልዓል ናይቲ እገዳታት ሩስያ ከም ትሕግዛ ቃል ኣትዩ ኔሩ።

ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ንዝተፈጥረ ምልዕዓል፡ብወተሃደራዊ ሓይሊ ብምጭፍላቓ እያ ኣብ ዘመነ ስልጣን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊኣ ናይ ኣጽዋር እገዳ ተነቢሩ።

===========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0