ሱዳን፣ 18 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከምዝተቐትሉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: Thursday,27 July 2023

ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ካብ ዝጅምር ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ 18 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከምዝተቐትሉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ውድብ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብዘይካ’ቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ 18 ሰራሕተኛታት ረዲኤት፣ ካልኦት ልዕሊ 20 ሰባት እውን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝኾነ ጉድኣት ከይወርድ ዝከላኸል ኣህጉራዊ ሕጊ እኳ እንተሎ፣ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ግና ነዚ ሕጊ’ዚ ብምጥሓስ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ግብረ ሰናይ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰባት ጉድኣት ምውራዶም ገሊጹ።

ብውሑዱ ኣብ 50 መኽዘናት ተቐሚጡ ዝነበረ ረዲኤት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ብዕጡቓት ከምዝተዘምተ ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ልዕሊ 200 ናይ ጽዕነት መካይን እውን ከምዝተዘምታኦ ሓቢሩ።

ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ንብረት ህዝብን ረዲኤትን ዘሚቱ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ክሲ፣ ሰበስልጣናቱ ይቕሬታ ብምሕታት፣ መርመራ ከካይዱሉ ምዃኖም ገሊጾም’ዮም።

ብሰንኪ’ዚ ኲናት፣ ልዕሊ 80% ካብ ሆስፒታላት ሱዳን ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ’ውን ብሰንኪ ሕጽረት ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከምዘሎ ይግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0