ሱዳን፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ መስመር ጽርጊያ ካርቱም-ባራ ንእትንቀሳቐስ ዝኾነት መኪና፣ ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማ ክትኣቱ ምዃና ኣፍሊጡ

Radio Erena: Wednesday,26 July 2023

ካብ ሰኑይ ዕለት 24 ሓምለ ጀሚሩ ብመስመር ካርቱም-ባራ ዝንቀሳቐሳ፣ ዋላ’ውን ናይ ግሊ መካይን፣ ንምልሻ ፈጣን ሓይልታት ደገፍ ከምዝህባ ተሓሲበን፣ ብሰራዊት ክውቀዓ ከምዝኾና፣ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ንዳርፉርን ኮርዶፋንን ምስ ከተማ ካርቱም ዘራኽብ መስመራት ጽርጊያ፣ ብወግዒ ክዕጸው ምዃኑ መጠንቀቕታታት ከቕርብ ዝጸንሐ መንግስቲ ሱዳን፣ ምንቅስቓስ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ንምግታእ ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ይገልጽ።

ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣጽዋርን ሰራዊትን ናብ ከተማ ካርቱም ንምጉራት ነዚ መስመራት’ዚ ክጥቀመሉ ምጽንሑ ጥራይ ከይኣክል፣ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተሰርቀ ንብረት እውን በዚ መስመር’ዚ ኣቢሉ እዩ ናብ ዳርፉር ዝግዕዝ ዘሎ፣ ክብል’ዩ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝኸስስ ዘሎ።

ሓለፍቲ ምልሻታት ፈጣን ሓይልታት፣ ኣባላቶም ኣብ ከተማ ካርቱም ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ዝምታን ስርቅን ንብረት፣ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ገበን ዝፈጸሙ መርመራ እተካይድ ኮሚቴ ከቑሙ ምዃኖም ኣቐድም ኣቢሎም ገሊጾም’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0