ሱዳን፣ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ኣስታት 200 ሰባት ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Tuesday, 04 February 2025

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ፣ ብ31 ጥሪ ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ዘካየዶ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ 65 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 130 ሰባት ከምዝቖሰሉ ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ሓቢሩ።

ብዓብደልዓዚዝ ኣል ሒሉ ዝምራሕ፣ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንሓርነት ሰሜን ሰዳን ብውገኑ፣ ካዲጉሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ልዕሊ 44 ሰባት ከምዝሞቱን 70 ድማ ከምዝቖሰሉን ንኣምሓዳሪ እቲ ዞባ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣቃሊሑ።

ኣብ 0203 ለካቲት ኣብ ዞባ ዳርፉር፣ ከባቢ ኣልፋሺር ውን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብድርም ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ኣመልኪተን።

ብፍላይ ዳዕም ሰሪዕ ካብ ብዙሕ ከባቢታት ካርቱም ተደፊኡ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታ ብዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ኣልማማ ቶዅሲን፣ መዓልታዊ ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ይገብር ከምዘሎ ዩ ዝውቐስ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ጀነራል ዓብደላ ሑሰን ዝተባህለ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ዳዕም ሰሪዕ፣ ብደብዳብ ድሮን ተቐቲሉ።

እቲ ጀነራል፣ ነቲ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኢዱ ዝሃበ፣ ኣዛዚ ዞባ ኣልጀዚራ ዝነበረ ጀነራል ከይከል ዝተከኣዩ።

ዳዕም ሰሪዕ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎ ላዕለዋይ ወትሃድራዊ ኣዛዚ ክቕተሎ እዚ ካልኣይዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ጀነራል ጃልሓ፣ ኣቃትልኡ ንጹር ብዘይኮነ ምኽንያት ምስ ሓዉ ከምዝሞቱ ተገሊጹዩ።

====================

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0