ሱዳን፣ ናይ ሩስያ ወትሃደራዊት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ብተወንጫፊ ተሃሪማ

RADIO ERENA – Tuesday, 22 October 2024

ኣብ ሱዳን ዝኸፍአ ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ዳርፉር፣ ዋንነት ሩስያ ዝኾነት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ብተወንጫፊ ተሃሪማ፣ ወዲቓ ተሓምሺሻ።

ኣብታ Ilyushin Il-76 ዝዓይነታ፣ ስርሓት ሩስያ ዝኾነት ወትሃደራዊት ነፋሪት፣ ሰለስተ ዜጋታት ሱዳንን ክልተ ሩስያውያንን ከምዝነበሩዩ ተሓቢሩ።

ናታ ነፋሪት ተወንጫፊ ተኵሱ ዝሃረማ ፈጣን ሓይልታት ወይ ዳዕም ሰሪዕ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣጽዋር ኣራጊፋ ትምለስ ምንባራዩ ወቒሱ።

ነዚ ዜና ፈለማ ዘቃልሓ መርበባት ሓበሬታ ሩስያ እኳ እንተኾና፣ ፈጣን ሓይልታት ወይ ዳዕም ሰሪዕ ዝቐረጽዎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ይርከብ።

መንግስቲ ሩስያ ምኽንያት ምውዳቕ እታ ነፋሪትን ጉድኣት ዜጋታቱን ንምጽራይ መርመራ ከካይድ ምኳኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0