RADIO ERENA – Wednesday, 26 February 2025
ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም፣ ከባቢ ኡምዱርማን ካብ ዝርከብ ወትሃደርዊ መዓርፎ ነፈርቲ እትብገስ ዝነበረት ኣንቶኖቭ ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ብሰሉስ 25 ለካቲት፡ ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም 46 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ብከቢድን ፎኵሲን ዝቖሰሉ ልዕሊ 10 ሰባት ከምዘለዉ‘ውን መርበባት ዜና ሱዳን ጠቒሰን።
እታ ወትሃደራዊት ነፈሪት፣ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ብምውዳቃ፣ ዝበዝሑ ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ‘ዩ ተመልኪቱ።
ዛጊት ተነጺሩ ከምዘሎ፣ ሜጀር ጀነራል ባሕር ኣሕመድ፣ ሓደ ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ መኮንናት ሱዳን‘ዩ።
እታ ነፋሪት፣ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ከምዝወደቐት ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።
ምውዳቕ እታ ነፋሩት፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ንመላእ ካርቱም ንምቑጽጻር ኣብ ዝግስግሰሉ ዘሎ እዋን ምስ ምግጣሙ፣ ብሓይልታት ዳዒም ሰሪዕ ተሃሪማ ክትከውን ከምእትኽእል ‘ዩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክጥቀስ ጸኒሑ።
ስእሊ፡ – ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት
================
COMMENTS