ሱዳን:ተቓወምቲ ዳርፉር ምስ ሰራዊት ይጽንበሩ

Radio Erena: Monday, 20 November 2023

ኲናት ሓድሕድ ጀነራላት ሱዳን ልዕሊ ሸውዓተ ወርሒ ኣቑጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን ከተማ ካርቱም ናብ ኣብ ዝኾነ እዋን ክትሞተላ እትኽእል ገሃነም ተቐይራ ትርከብ::

ሓያሎ ተቐማጦ ከተማ ካርቱም ከተምኦም ራሕሪሖም’ኳ ናብ ዓድታቶም እንተኸዱ ኣብታ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ብዘይ እኹል መግቢ: ማይ: መድሃኒትን ካልእ መሳለጥያታትን ኣብ ልዕሊ ምትራፎም ደብዳብ ከቢድ ብረትን በራሪ ጥይትን’ውን ናብራኦም ናብ ፍጹም ቀውሲ ተቐይሩ ይርከብ::

ዝበዝሕ ክፋል ከተማ ካርቱም ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ብብርጋደር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ ዝምርሑ ግቡእ ታዕሊም ዘይወሰዱ ብተወርዋሪ ሓይሊ ዝፍለጡ ምልሻ ኣብ ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ: ምዝማት ዱካውንትን ኣባይትን ክዋፈሩ እንከለዉ: ህዝቢ ዝራሕርሖ መንበሪ ኣባይቲ ሴሮም ብምእታው’ውን ይቕመጥዎን ማዓስከራቶም ይገብርዎን ኣለዉ::

ካብ ናይ ከተማ ካርቱም ብዝኸፍእ ኣገባብ እቶም ኣቐዲሞም ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ዝነበሩ ንገዛእ ርእሶም ከም የዕራብ ዝቖጽሩ ዕጡቓት ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ዓሌታት ናይ ቅትለትን ጽንተትን በደላት የካይዱ ኣለዉ::

ነዚ ንምግታእ ኣቐዲሞም ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም ዝነበሩ ግንባራት ምስ ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ተጸንቢሮም ከምዘለዉ ሓቢሮም::

ጃንጃዊድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳርፉር ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ ዓሌት ምጽናት በደል ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺር ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘ-ሄግ ከምዝተኸሰሰ ይዝከር::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0