ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ኣሲሮሞም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ክፈትሑ CPJ ጸዊዑ

Radio Erena: 22 July 2022

ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ኣሲሮም ዘለዉ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ክፈትሑ፣ ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ጻዊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብ20 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቶም ሰበ ስልጣን፣ ኣብዚ ቀረባ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ከምዝኣሰሩ ኣፍሊጡ።

ሰበ ስልጣን ናይቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ ዘሎ ክልል ትግራይ፣ ኣቐዲሞም’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሜድያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎም፣ ንመሳርሕቶም ኣባላት ቤተሰቦምን ብምውካስ CPJ ኣመልኪቱ።

እቶም ጋዜጠኛታት፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን ብምስርሖም፣ ምስ ጸላኢ ተሓባቢርኩም ዝብል ክሲ ከምዝተመስረተሎም መግለጺ ናይቲ ትካል የረድእ።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0