ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሸውዓተ ወተሃደራትን ሓደ በርጌስን ረሺኑ፣ ክብል መንግስቲ ሱዳን ይኸስስ

Radio Erena: 28 June 2022

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዝሓዞም ሸውዓተ ወተሃደራትን ሓደ በርጌስን ረሺኑ፣ ክብል መንግስቲ ሱዳን ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ወተሃደራት ሱዳን፣ ዶብ ኢትዮጵያ ከምዘይሰገሩ ብምርግጋጽ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒኑ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ‘ኣረሜናዊ ተግባር’ ኢሉ ዝገለጾ ፍጻሜ፣ ኣንጻር ሕግታት ኲናትን ውዕል ጀኔቫን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ሬሳታት እቶም ዝተረሸኑ ንህዝቢ ምርኣዮም፣ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን እዩ ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ካብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምላሽ ይጽበይ ከምዘሎ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሒደት ሰዓታት ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ፣ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዶብ ምብጻሕ ኣካዪዱ።

እቲ ጀነራል ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተሰንዩ እዩ ናብ ዞባታት ኣል-ፋሽጋ ዑደት ኣካዪዱ። ንዕላማ ዑደቱ ብዝምልከት ግና ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ዝተላዕለ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ገና መፍትሒ ከይተረኽበሉ እንከሎ እዩ፣ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ተፈጢሩ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከምዘምርሓ ገይሩ።

ሱዳን ንምርሻን ወተሃደራታ ብስራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ንምቕራብ ምድላዋት ከተካዪድ፣ ንኣምባሳደራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሃገሩ ክምለስ ጸዊዓ ኣላ።

=====================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0