RADIO ERENA – Wednesday, 26 March 2025
ሰራዊት ሱዳን፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ቻድ ክድብድብ ከዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ልዩተናትን ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ፣ ብ23 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቻድ፣ መዋፈሪ ኣጽዋር ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ይኸውን ስለዘሎ፣ ክድብድብዎ ከምዝኽእሉ‘ዩ ኣሚቱ።
ቻድ ብወገና፣ ንመግለጺ እቲ ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ብምኹናን፣ ስድሪ ካብ መሬታ እንተተጠቂዑ፣ ኣህጉራዊ ሕግታት ብዘፍቕዶ መሰረት ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ካብ ከተማ ካርቱምን ካልእ ከባቢታትን ተደፊኡ ናብ ዳርፉር ዝበታተን ዘሎ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ፣ ኣዘዝቱ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ቻድ ደጀን ክገብሩ ከምዝኽእሉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይሕብሩ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ዝተላእከ ኣጽዋር፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቻድ ተራጊፉ፣ ዶብ ሱዳን ይሰግር ከምዘሎ ሰራዊት ሱዳን ክወቕስ ጸኒሑ‘ዩ።
ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ካርቱም፣ ካብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ብምምንዛዕ ዝግስግ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ወሳኒ መጥቃዕቲ ከምዝጽበዮ ይጥቐስ።
=================
COMMENTS