ሰራዊት ሱዳን፣ ንመዓርፎ ነፍርቲ ቻድ ክድብድብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

RADIO ERENA – Wednesday, 26 March 2025

ሰራዊት ሱዳን፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ቻድ ክድብድብ ከዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ልዩተናትን ጀነራል ያር ኣል ዓጣ፣ ብ23 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ፣ መዓርፎ ፈርቲ ቻድ፣ መዋፈሪ ኣጽዋር ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ይኸውን ስለዘሎ፣ ክድብድብዎ ከምዝኽእሉዩ ኣሚቱ።

ቻድ ብወገና፣ ንመግለጺ እቲ ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ብምኹናን፣ ስድሪ ካብ መሬታ እንተተጠቂዑ፣ ኣህጉራዊ ሕግታት ብዘፍቕዶ መሰረት ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ካብ ከተማ ካርቱምን ካልእ ከባቢታትን ተደፊኡ ናብ ዳርፉር ዝበታተን ዘሎ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ፣ ኣዘዝቱ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ቻድ ደጀን ክገብሩ ከምዝኽእሉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይሕብሩ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ዝተላእከ ኣጽዋር፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቻድ ተራጊፉ፣ ዶብ ሱዳን ይሰግር ከምሎ ሰራዊት ሱዳን ክወቕስ ጸኒሑዩ።

ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ካርቱም፣ ካብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ብምምንዛዕ ዝግስግ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ወሳኒ መጥቃዕቲ ከምዝጽበዮ ይጥቐስ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0