RADIO ERENA – Wednesday, 11 December 2024
ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፡ ብሰኑይ 09 ታሕሳስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ብውሕዱ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ሲቪካዊ ማሕበር ጠበቓታት እታ ሃገር ወቒሱ።
እቲ ማሕበር ብሰሉስ 10 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ነፈርቲ ውግእ ሱዳን፡ ኣብቲ ካብካቢያ ዝተባህለ ዕሙር ናይ ዕዳጋ ማእከል ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ፡ ኣማኢት ሰባት ከምዘቚሰለ ‘ውን ኣመልኪቱ።
ዋና ከተማ ሰሜናዊ ዳርፊር ዝኾነት ኣል ፋሽር፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ከበባ ፈጣን ሓይሊታት ሱዳን ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ደብዳብ መስመር ሎጂስቲክ ናይቶም ሓይሊታት ንምብታኽ ዝዓለመ ምንባሩ‘ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝትንትኑ።
እንተኾነ፡ እቲ ደብዳብ፡ ካብ ሓያሎ ቁሸታት ሰሜናዊ ዳርፉር ዝተኣኻኸበ ህዝቢ፣ ዕሙር ንግዳዊ ልውወጥ ዘካይደሉ ናይ ዕዳጋ መዓልቲ ብምንባሩ፡ ዝበዝሑ ግዳያት ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==================
COMMENTS