ሩስያ፣ ንሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትልግስያ

Radio Erena: Friday,28 July 2023

ሩስያ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትልግስ ምዃና ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፣ ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ ‘’ሩስያ-ኣፍሪቃ’’ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኣብዚ ዝቕጽል 3-4 ኣዋርሕ፣ ናብ ኤርትራ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ዚምባብወ፣ ማሊ፣ ሶማልን ማእከላይ ኣፍሪቃን ካብ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክዋፈር ምዃኑ ሓቢሩ።

ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፍ ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ሩስያ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ንካልኣይ እዋኑ’ዩ።

ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ እትርከብ ሩስያ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበራ ዝምድና እተመሓዪሾ ዘላ፣ ካብ ዓለማዊ ተነጽሎ ንምድሓን’ዩ ዝብል ትንተናታት ብሰፊሑ ይወሃብ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝጀመረቶ ኲናት ብናህሪ ዋጋታት እኽሊን ድኹዒን ኣብ ቅልውላው ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ ከም መፍትሒ ግዚያዊ ሽግራተን ክጥቀማሉ ከምዝኽእላ ይግለጽ።

እዚ ንኤርትራ ሓዊስካ ናብ ሽዱሽተ ሃገራት ክልገስ ሩስያ ኣዳልያቶ ዘላ እኽሊ፣ ካብ 25 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ቶን ዝበጽሕ እዩ።

ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ብገንዘብ ክሽምታ ንዝደልያ ሃገራት ኣፍሪቃ እውን እኹል ቀረብ እኽሊ ተዳልዩ ኣሎ፣ ክብል ገሊጹ።

ካብ ዩክረይን ንዝጎዓዓዝ እኽሊ ብናጻ ክመሓላለፍ ውሕስነት ካብ ዝህብ ስምምዕ ሩስያ ስለምንታይ ከምዝሰሓበት ክገልጽ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ፑቲን፣ ካብቲ ዝተላእከ 32.8 ሚልዮን ቶን ካርጎ፣ እቲ ዝበዝሐ ናብ ማእከላይን ላዕለዋይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ከምዝተላእከ፣ እተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከም ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን፣ ካብ 3% ዘይበዝሕ እኽሊ ጥራይ ምርካበን ጠቒሱ።

በዚ ምኽኒያት’ዚ ከኣ ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ከምዝሰሓበት ሓቢሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0