ሞቛድሾ፣ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Tuesday, 16 July 2024

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብ ሓደ ቤት መግብን ሻሂን ተኣኻኺቦም፣ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ኤውሮጳ2024ኣብ ልዕሊ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 20 ድማ ከምዝቖሰሉን መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ ብሰንበት፣ 14 ሓምለ፣ ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ኣብ ኣፍደገ እቲ ካፈ ብምፍንጃርዩ ተኻይዱ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለን፣ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ መንግስቲ ሶማል ወቒሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0