Radio Erena: 28 April 2019
ዳግማይ ዝተዓጽወ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ሕቶታት የለዓዕል ምህላዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ግቡእ መብርሂ ከይሃበ ዶባት ከምዝዕጾ ምግባሩ፣ ብፍላይ ኣብ ዶባት ንዝርከብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይገልጹ።
ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው፣ ነዚ ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፣ ዶባት ዝተዓጽወሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ሕጋዊ መልክዕ ንምትሓዙን፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምትእትታውን እዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
እንተኾነ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ 22 ሚያዝያ ወግዓዊ ዝኾነ፣ ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብቐንዱ ብድፍኢት መንግስቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ሙዃኑ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።
ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ብወገኖም፣ ክፉት ዶባትን ናጻ ምንቅስቓስ ህዝብን ንረብሓ መንግስቲ ኤርትራ ስለዘይከውን፣ ምስቲ ሓዲሩዎ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ዶባት ክዓጹ ትጽበዮ ስጉምቲ’ዩ ክብሉ ፖለቲካዊ ትንታነኦም ይህቡ።