RADIO ERENA – Monday, 05 May 2025
ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት፣ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም መዲቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ነቲ መደብ ናብ ግብሪ ንምስግጋር፣ ዘተ ድሮ ተጀሚሩ ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፣ ኦሊቭየ ንዱሁንጊረ ፣ ምስ ቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።
ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ካብ ኣመሪካ ብዘይድልየቶም ንዝስጎጉ ዜጋታተን ክቕበላ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊኤን እገዳ ክገብር ከምዝኽእል ‘ዩ ዝንገር።
ኣብ ልዕሊ‘ዚ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑን ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገሩን ዝብል‘ውን ይዝተየሉ‘ዩ።
ኣብዚ ዘተ ‘ዚ ብቀዳምነት ዝተሰርዐት ድማ ርዋንዳ ኮይና ኣላ።
ካብ እስራኤልን ሊብያን፣ ተሰጋግሮም ንዝመጽኡዋ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝተቐበለት ርዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝስጎጉ ‘ውን ክትቅብል ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኔራ‘ያ።
እንተኾነ እቲ መደብ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ፣ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተሰሪዙ።
ርዋንዳ፣ ኣምሳያ ናይቲ ካብ ዝተፍላለያ ሃገራት ተሰጋጊሮም ዝመጽእዋ ስደተኛታት፣ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክተካዕብ‘ያ ትውጥን።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=================
COMMENTS