Radio Erena: 29 August 2021
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ናብ ካልኦት ዞባታት’ታ ሃገር ብምስፍሕፍሑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም እዩ፣ ክብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብ26 ነሓሰ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት’ታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግርጭታት ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ፣ በብከባቢኡ ናይ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ሞትን ካልእ ግፍዕታትን መዓልታዊ እንዳኾነ ምምጽኡ ኣተሓሳሲቡ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝኸፈቱዎ ተኹሲ ብውሑዱ 150 ሰባት ምሟቶም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ዩ።
‘ማሕበራዊ ቅርጺ ኢትዮጵያ ዓይንና እንዳረኣና ይበርስ ኣሎ’ ክብል ንባይቶ ጸጥታ መግለጺ ዝሃበ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ኲናት ትግራይ ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ጥራይ ከምዝፍታሕ ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ብኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ኤስቶንያ፣ ፈረንሳ፣ ኣየርላንድን ኖርወይን፣ ብፍሉይ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ክዝቲ ዝተጸወዐ ኣኼባ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ እማመ ሰላም ብዘይምቕባሉን፣ ረዲኤት ናብ ግዳያት ንኸይባጻሕን ዕንቅፋት ፈጢሩን፣ ብምባል ክነቕፉ እንከለዉ፣ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ምእታዎም ከኣ ሓላፍነት ክወስዱ ኣተሓሳሲቦም።
ሩስያ፣ ቻይናን ህንድን ብኣንጻሩ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውሽጣዊ ዓቕሚን ክፍታሕ ዕድል ክወሃቦ፣ ብስም ረዲኤት ዝግበር ምትእትታው ከኣ ነቲ ኩነታት የብእስ እምበር ፍታሕ ኣየምጽእን ብምባል ተቓውሞኤን ገሊጸን።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ካብ ዝውላዕ ባይቶ ጸጥታ በዚ ጉዳይ ክዘራረብ እዚ ንካልኣይ እዋኑ እዩ።
==================
COMMENTS