መንግስቲ ጂቡቲ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቱ ናይ ድሮን ደብዳብ ኣካይዱ

RADIO ERENA – Monday, 03 February 2025

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቱ ናይ ድሮን ደብዳብ ከምዘካየደ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ብ02 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ በቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሸሞንተ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኣንጻር እቲ ብሶማሊ ዒሳ ዝተዓብለለዩ ዝብልዎ መንግስቲ ዝቓወሙ ኮይኖም፣ ብፍሩድዝፍለጡ፣ ተወላዶ ብሄረ ዓፈር ዮም።

ፍሩድ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ንዝርከቡ ብሄረ ዓፋር ብምጥርናፍ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገር ዓፈርንምፍጣር ዝተበገሰ ዕጡቕ ሓይሊ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ኣብ ክልተ ተገሚዑ፣ እቲ ፖለቲካዊ ወገኑ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ እንከሎ፣ እቲ ወትሃደራዊ ክንፉ ግና ክሳብ እዚ እዋንዚ ቃልሱ ኣብ ምቕጻል ይርከብ።

ድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዓሰብ ዘጠቓለለ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ናጻ ሃገር ዓፈር ንምምስራት ከምዝንቀሳቐስ ዝጠቕስ ፍሩድ ብወግዒ ክድግፎ ተራእዩ።

ኣብዚ እዋንውን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንዕጡቓት ፍሩድይድግፍ ከምዘሎ ይጥቐስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባቲ መንግስቲ ጂቡቲ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘዋስን ከባቢ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፍሩድደብዳብ ድሮን ከምዘካየደ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ስእሊ፦ ናይ ጂቡቲ ድሮን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0