መንግስቲ ኬንያ፣ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ክዘራረብ ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: Tuesday, 01 August 2023

ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ናህሪ ዋጋታትን ቀረጽን ድሕሪ ምውሳኹ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ንተኸታታሊ መዓልታት ድሕሪ ምክያዱ ምዃኑ፣ ካብ ናይሮቢ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ሮይተርስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ተቓወምቲ ሓልታት ኣዚሚዮ ዝበሃል ሓድሽ ልፍንቲ ብምምስራት፣ ህዝቢ ኣንጻር ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝመርሖ መንግስቲ ክለዓል ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ምግባር እዮም ዝርከቡ።

ንኣመራርጻ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ፣ ወሰኽ ግብሪ፣ ናህሪ ዋጋታት ነዳዲን ክራይ ገዛን ዝብሉ ገለ ካብ’ቶም ተቓወምቲ ውድባት ምስ ፕረዚደንት ሩቶ ክዘራረቡሉ ደልዮም ዘለዉ ጉዳያት እዩ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብዚ ብቀዳም 29 ሓምለ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብዛዕባ’ዚ ህዝቢ ዘለዓዕል ዘሎ ጉዳይ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ክዘራረብ ተዳልዩ ከምዘሎ፣ እንተኾነ ግና ናይ ስልጣን ምክፍፋል ከምዘየፍቅድ ኣፍሊጡ።

ተመሳሳሊ መግለጺ ካብ መራሒ ልፍንቲ ኣዚሚዮ ራይላ ኦዲንጋ ወጺኡ ኣሎ። ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መግለጺኡ፣ ምስ ዊልያም ሩቶ ስልጣን ክማቓራሕ መደብ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0