መንግስቲ ኤርትራ 72 ናይ ህንጻ ማሺነሪታት ካብ ቻይና ንምዕዳግ ስምምዕ ከቲሙ

መንግስቲ ኤርትራ 72 ናይ ህንጻ ማሺነሪታት ካብ ቻይና ንምዕዳግ ስምምዕ ከቲሙ

Radio Erena : 14 October 2015

lo

መንግስቲ ኤርትራ 72 ናይ ህንጻ ማሺነሪታት ካብ ቻይናዊ ኩባንያ ሊዩጎንግ ንምዕዳግ ስምምዕ ከምዝኸተም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ምፍሓርን ምጽዓንን ከምኡ’ውን ካልእ ናይ ህንጻ ንጥፈታትን ዘሳልጣ 72 ማሺነሪታት ንምዕዳግ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም’ዩ ምስቲ ቻይናዊ ኩባንያ ስምምዕ ከቲሙ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ወደብ ሻንጋይ ተጻዒነን ናብ ኤርትራ ክፋነዋ ምዃነን’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ልምዓታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ጽርግያታትን ዲጋታትን ጥራይ ኣተኩሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

=================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0