መንግስቲ ኤርትራ ምስ መሻርኽቱ፣ ንዜጋታቱ ህጽጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ክገብር፣ ፍልይቲ ጸብጻቢት ሰብኣዊ መሰላት ተማሕጺና

Radio Erena: 03 July 2020

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምዃን፣ ብስእነት መግቢ ንዝተጠቕዑ ዜጋታቱ ህጹጽ ሓገዝ ክገብር፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻባ ዘቕረበት፣ ዳኒኤላ ክራፍትዝ ተማሕጺና።

ንሳ፣ ኣብ መበል 44 ስሩዕ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብ30 ሰነ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ዶባት ስለዝተዓጽወ፣ ብፍላይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዋሰንን ህዝቢ ኤርትራ፣ ናይ መግቢ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምትኳር ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጢ ከምዘየለ ብምንጻር፣ ንምምሕያሹ ክውሰዱ ዘለዎም ሰለስተ ግብራውያን ስጉምታት ዘርዚራ።

እቲ ቀዳማይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመን፣ ብፖለቲካ ይኹን ሃይማኖት ኣሳቢቡ፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ንዓመታት ዝኣሰሮም ዜጋታቱ ከምዘለዉን ክእመን ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

እቲ ካልኣይ፣ ትርጉም ዘለዎን ነባርን ምዕባለ ንምውሓስ፣ መንእሰያት ናብ ስደት ዘንፍጽ ዘሎ ኣካይዳ ክቕየርን፣ ኣብ መንእሰያት ወፍሪ ክግበርን ይጠልብ።

እቲ ሳልሳይ ድማ፣ መሰል ዜጋታት ይኽበር ምህላዉ ዝከታተላ በርጌሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤርትራ ክነጥፋ ክፈቕድን ዝብል ነጥቢ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 5 years ago

    D CRAVETZ ዕድሚኣ ኣብ 50ታት ይጽጋዕ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ኣተሓሳስብኣ ግን ናይ ጓል 5’ውን ኣይከውንን እዩ።
    ከይሓፈረት ከይሓነኸት፡”… መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ…ክእመን ኣስሚራትሉ።” ትብለናስ፡ ብውሑዱ ኣብ 1991 ዓለም ብዓለሙ ዝርኣዮ ህልቂት ደብዳብ ነፈርቲ ናይ ባጽዕ (ቅብጸት) ከ መን እዩ ክእመነሉ? ሽዑኡ ኣበይ’ዲኣ ኔራ ሕጂ ለውለው ትብለልና። ዓመት ዓመት ከምኡ እናበልካ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ሚልዮናት ዶላራት ንኤርትራ ምስላዕ ግን ንዓኹም ነዞም ለኹመኛታት ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ብሃማት ግርም ጌሩ ከደናግረኩም ክነብር እዩ። እንተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ከምቲ ገመል ጉዕዝኦም ከየተባተኸ ቀጻሊ’ዩ።