”መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ” ኒው ላይንስ ኢንስቲትዩት

Radio Erena: Wednesday 05 , June 2024

ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ገበናት ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ዝብል ብመርትዖታት ዝተሰነየ ጸብጻብ፣ ኒው ላይንስ ኢንስቲትዩት ኣውጺኡ።

እቲ ጸብጻብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራዎት ዝዓለመ ህልቂት ከም ዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ማለት ICJ ክኽሰስ ይጽውዕ።

እቲ ብሰሉስ ኣብ ኣሜሪካ ብዝመደበሩ ትካል ኒው ላይንስ ኢንስቲትዩት ዝተዘርግሐ 120 ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ፣ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ኣብ 2020 ዝተኻየደ ግጭት “ገበን ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ” ክብል ደምዲሙ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ነቲ ውግእ ከብቅዕ ምስተሰማምዑ ዳርጋ ሓደ ዓመት ሓሊፉ፣ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ገሊጹ ኔሩ።

እዚ ሕጂ ብኢንስቲትዩት ኒው ላይንስ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ ግን ኢትዮጵያ ብጃምላዊ ቅትለትን ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ብምግባር ንውዕል ምጽናት ዓሌት ዝጥሕስ ተግባራት ከምዝፈጸመት እኹል መርትዖ ከምዘሎ ይገልጽ።

ኢንስቲትዩት ኒው ላይንስ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ብኽልተኣዊ ዝምድናታት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብር፡ ከምኡ’ውን እታ ሃገር ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ጸዊዑ።

ገበን ምጽናት ዓሌት ብመሰረት ኣብ 1948 ኣብ ዝተገብረ ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበን ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቡ’ሎ።

ገለ ካብቶም ምጽናት ዓሌት ወይ GENOCIDE ተፈጺሙ ተባሂሎም ዝምዝገቡ ገበናት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የጠቓልሉ፣ ንሓደ ብሄር ወይ ዓሌት ኮነ ኢልካ፣ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ንምጥፋእ ዝዓለመ ተግባራት፤ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ምቕታል፤ ኣብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ምብጻሕ፤ ንሓደ ጉጅለ ኣካላዊ ዕንወት ንምምጻእ ዘኽእል ሃዋሁው ምፍጣር፤ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ሕርሲ ንምክልኻል ዝሕግዙ ስጉምትታት ምውሳድን ቆልዑ ብሓይሊ ምጭዋይን ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0