መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተልእኾ ተዋፊሮም ንዝበሎም፡ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ከምዝኣሰረ ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Monday, 07 April 2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ንጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተልእኾ ተዋፊሮም ዝበሎም፣ 224 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 900 ሰባት ከምዝኣሰረ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኤርትራውያን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህቦም ተልእኾ ኣብ ምስልሳል እንከለዉ ከምዝተታሕዙ፣ ንምምሕዳር ጸጥታ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ እተን መርበባት ኣብዚ ሳልስቲ ሓቢረን።

ልዕሊ 365 ኢትዮጵያውያን ድማ ምስ ዕጡቓት ሚልሻ ኣምሓራ – ፋኖ ምትእስሳር ከምዘለዎም ተጠርጢሮም ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ጽልኢ ህወሓት ዝተመርኮሰ ዝምድና መስሪቶም ዝነበሩ መንግስታት ኤርትራን ኢትይጵያን፣ ኣብዚ እዋንዚ ኵናት ናብ ዝዕድም ምትኹታዃት ተጸሚዶም ይርከቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓልፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብስም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም፡ ንኤርትራውያን እናገፈፈ ከምዝኣሰረን ንኣማኢት ድማ ብዘይድልየቶም ብመንገዲ ቡረ – ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎጎምን ይዝከር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0