መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክጣየሱ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ናይ ዝኸልከሎም ብዝሒ ኣማኢት በጺሑ

Radio Erena: 06 January 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምጥያስ ይኹን ብምጥርናፍ ስድራቤታት፣ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝተበገሱ ኤርትራውያን ቪዛ ካብ ዝኽልክሎም ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ይርከብ።

ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብውልቂን ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ክጣየሱ ጉዳዮም ተወዲኡ፣ በረራ ጥራይ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣማኢት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ መውጽኢ ቪዛ ተኸልኪሎም።

እዞም፣ ብመንገዲ IOMን ብውልቆምን ዝተበገሱ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝበዝሖኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መውጽኢ ቪዛ ንምሕታት ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ከይመጹ፣ ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ’ዩ ብቴሌፎን ዝንገሮም ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን፣ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸቡን ገሊኦም ድማ ብምጥርናፍ ስድራቤታት ዝተበገሱን ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ከይወጽኡ ዝኽልክሎም ዘሎ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ህወሓትን ርክብ ዝነበሮም ንምጽራይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ግምታት ክወሃብ ጸኒሑ’ዩ።

====================