RADIO ERENA -Wednesday, 30 October 2024
ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣባል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሞቛድሾ ንዝኾነ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጽእ ኣዚዙ።
እቲ ዓሊ መሓመድ ዓደን ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ቆንስል፣ ካብ ሶማል ክወጽእ ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት፣ ካብ ዲፕሎማሲ ወጻኢ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳያት ስለዝነጠፈ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ ብ29 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ፣ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ንውዕል ቬና ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከምዝጠሓሰ እኳ እንተኸሰሶ፣ ዝፈጸሞ ጥሕሰት ግና ኣይጠቐሰን።
ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ዝኸተመት ኢትዮጵያ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ግሂሳ‘ያ ብምባል፣ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፣ ንኣምባሳደሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክስሕብ እንከሎ፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሞቛድሾ ከምዝሰጎጎ ይዝከር።
እንተኾነ፣ እዘን ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኤምባሲታት ጠቕሊላን ኣብ ምዕጻው ኣይበጽሓን።
ኢትዮጵያ፣ ንሶማል ትጻባኣ ከምዘላ ዝወቕስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክተሓጋገዞ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሓምዛ ዓብዲ ባረ፣ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደብ ገሊጹ‘ዩ።
================
COMMENTS