መንግስቲ ሱዳን ነታ ሃገር ኣመልኪቱ ብኢጋድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉ

Radio Erena: Wednesday, 13 December 2023

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ድሕርቲ መራሕቲ ሃገራት ምትእኽኻብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ – ኢጋድ ዝሓለፈ ቀዳም 9 ታሕሳስ ንኲናት ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም ዝገበርዎ ምይይጥ፣ ኣብ ሱዳን ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ምጽውዖም ኣብቲ ስምምዕ ዘይነጸረን ዘይቅኑዕን ውዕላት ኣለዎ ብምባል ብወግዒ ነጺግዎ።

እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፣ ትማሊ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዝን ሰብኣዊ ዕርቂ ምምስራትን ዘጥቓልል ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ብምቕራብ እኳ እንተተዛዘመ፣ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ ንጹርነት እቲ መግለጺ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ተሳትፎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብን ህላወ ፈጣን ሓይልታትን ስክፍታኡ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ መግለጺ ዘለዎ ተቓውሞ ብምሃብ፣ ብፍላይ ድማ ምትእትታው ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝምልከት ፤ ሓለፍቲ ኢጋድ ምስ ልኡኽ ፈጣን ሓይልታት ተራኺቦም ዝብል ምጉት ከምኡ’ውን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ብጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ዝቐረበ ብግብጺ ዝምራሕ ተበግሶ ብሱዳን ተቐባልነ ከምዘይብሉ ኣስሚርሉ።

ዋዕላ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ዝመደበሮም 15 ኣባላት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ይዝከር።

ኣብ ኣኼባ ኢጋድ መራሕቲ ኬንያ: ኢትዮጵያ: ሶማልያ: ሕብረት ኣፍሪቃ: ፕረዚደንት ሱዳን ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን: ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት: ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተረኺቦም ኔሮም::

ብዘይካዚ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዝዓለመ ብስዑዲ-ኣመሪካ-ኢጋድ ዝተበገሰ መስርሕ ጅዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ምስሓብ ፈጣን ሓይልታት ካብ ከባቢታት ካርቱም ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ፈሪሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0