መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ናብ ፖርት ሱዳን መዓልታዊ በረራታት ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ

RADIO ERENA – Thursday, 12 September 2024

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ናብ ፖርት ሱዳን መዓልታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክካይድ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም፣ ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ዘበለ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን፣ ጎኒ ጎኒቲ ኣብ ቤጂንግ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን፣ ብኣካል ተራኺቦም ዝበጽሕዎ ስምምዕ ዩ።

ምጅማር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፖርት ሱዳን፣ ነቲ ብመጓዓዝያ ምድሪ፣ ብመተማን ጋላባትን ክካየድ ዝጸንሀ ምክልባት ዝበዝሖ ጉዕዞ ካብን ናብን ክልቴን ሃገራት ከውሕዶ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ርእሲዚ ብመንገዲ ካይሮ፣ ናብ ፖርት ሱዳን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ በረራታትውን ንሱዳናውያንን ካልኦት በጻሕትን ተወሳኺ ኣማራጺታት ክቕርብ ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0