RADIO ERENA – Thursday, 07 November 2024
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ብዓይነተን ናይ መጀመርታ ዝኾና ኣርባዕተ Airbus A350-1000 ሸሚቱ ናብ ስራሕ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።
እዘን ስርሓት ኤውሮጳ ዝኾና 350 ሰባት ክጽዕና ዝኽእላ ነፈርቲ ብ25% ውሑድ ነዳዲ ክበራ እንከለዋ፣ 50% ዝቐነሰ ናይ ድምጺ ህድኣት ዘለወን‘የን።
እዘን ነፈርቲ፣ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዋሽንግተን ዲሲ፣ ለንደን፣ ፓሪስን ፍራንክፈርትን ዝኣመሰለ ናብ ርሑቕ መዓርፎ ነፈርቲ ብቐሊሉ ጉዕዞታት ክገብራ ክሕግዝኦ እየን።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ ግዜ ሰለስተ ተመሳሰልቲ ነፈርትን ዓሰርተ ሓደ Airbus A350-900 ካብ ኩባንያ ኤርባስ ክቕበል ኣብ ስምምዕ ተበጹሑ ኣሎ።።
ኣብ 1945 ዝተመስረተ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ናብ ልዕሊ 125 ከተማታት በረራ ዝገብር ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ትካል መጓዓዝያ ነፈርቲ እዩ::
==================
COMMENTS