መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኣከቦ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዶላር ከንቀሳቐስ ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ

Radio Erena: Sunday 18 June 2023

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘካይዶ ናይ ትኬት መሸጣታት ዝተኣከበ፣ 2.5 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ናብ ካዝንኡ ከሰጋግሮ ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።

ዘ ሪፖረተር ብ17 ሰነ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ብሰንኪ ዘይተፈትሑ ናይ ባጤራ ጉዳያት’ዩ ገንዘቡ ካብ ኤርትራ ምንቅስቓስ ስኢኑ ዘሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኤርትራ፡ መዓልታዊ ሰለስተ በረራታት የካይድ`ኳ እንተሎ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ናይ ሸርፍን ባጤራን ዋሕዲ፡ ካብ መሸጣ ትኬት ዝተኣከበ ገንዘብ፣ ካብ ኤርትራ ከውጽኦ ይጽገም ምህላዉ እዩ ተጠቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዋሕዲ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቦ መንበር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ክንጥቀመሉ ስለ ዘይንኽእል፡ ናብ ዶላር ቀይሮም ክህቡና ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ባጤራ የብልናን ክብል ስለዝጀመረ፣ እቲ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ምንቅስቓሱ ከምዘይተኻእለ’ዩ ተመልኪቱ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ስምምዕ ሰላም ምስ ተኸተመ’ዩ ዳግም ጀሚሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኤርትራ ከንቀሳቕሶ ዘይክኣለ 2.5 ሚልዮን ዶላር፣ ኣብ ናይጀርያ’ውን 80 ሚልዮን ዶላር ተዓጊትዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር ኣገንዚቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Maekele 1 year ago

    ብጣዕሚ ጽቡቕ ስራሕ ኢዩ’ሞ ብዝበርተዐ ቀጽልዎ ።