መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ካብ ጽባሕ ክቛረጽ’ዩ

RADIO ERENA – Monday, 02 September 2024
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ: ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ ጽባሕ ሰሉስ 03 መስከረም ከምዘቛርጾ ኣፍሊጡ
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ሎሚ ሰኑይ 02 መስከረም፡ ኣብ ናይ ኤክስ ማሕበራዊ ሜድያ ሕሳቡ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሞ ዘሎ መሰናኽል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለዝኾነ፡ ብሃንደበት ከቋርጾ ከምዝወሰነ’ዩ ጠቒሱ።
ኤርትራ፡ ኣቐዲማ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 30 መስከረም ደው ከብል ምውሳና’ያ ሓቢራ።
ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ በቲ ብሃንደበት ዝወጸ ውሳነ ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ናብ ኣስመራ ንምምምላስ ትኬት ቆሪጾም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ብዘይተወሳኺ ክፍሊት ናብ ካልእ መንገዲ ኣየር ከሰጋግሮም ምዃኑ ‘ዩ ዝሕበር ዘሎ።
እንተኾነ፡ ጉዳይ ናይ ትራንዚት ቪዛን ኣብ ትራንዚት ዝህሉ ተወሳኺ ወጻኢታትን ምክልባትን ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘይተመለሰሎም ሕቶ’ዩ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0