‘መቐመጫይ ተንኪፉኒ’ ብምባል፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ዝቐተለት ኣመሪካዊት ኣብ ጀርመን፣ ‘ርእሰይ ንምክልኻል’የ ኢላ

RADIO ERENA – Wednesday, 04 December 2024

ጓል 20 ዓመት ኣመሪካዊት መንእሰይ ነበሪት ጀርመን፣ ከተማ ካይዘርስላውተርን፣ ኣብ መዓርፎ ባቡር፣ መቐመጫይ ተንኪፉኒ ብዝብል ክሲ፣ ንወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ብምቕታላ፣ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረበት ጋዜጣ ቢልድ፣ ኣብ ናይ 03 ታሕሳስ ሕታማ ኣስፊራ።

እታ መንእሰይ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2024፣ ነቶም ኤርትራዊ ኣቦ፣ መቐመጫይ ተንኪፎሙኒብምባል፣ ኣብ ሳንጣኣ ዝነበረ ተዓጻፊ ካራ ብምምዛዝያ ኣብ ከባቢ ኣፍልቦም ደጋጊማ ወጊኣ ቀቲላቶም።

ትማሊ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ ድማ፣ ነብሰይ ክከላኸል ደኣምበር ክቐትሎም ኢለ ኣይሓሰብኩን ወይ ኣይተበገስኩን ብምባል ብመንገዲ ጠበቓኣ ሞጊታ።

ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፣ ካራ ካብ ሳንጣኣ ምስ ኣውጽአት እቶም ኣቦ ንድሕሪት እኳ እንተሰሓቡ፣ ደድሕሪኦም ስዒባ ደጋጊማ ኣብ ኣፍልቦም ደጋጊማ ክትወግኦም ዘርኢ፣ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ቲ መዓርፎ ባቡር ዝቐረጾ ቪድዮ ከም መርትዖ ብምቕራብ፣ እቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ካብ ርእሰ ምክልኻል ዝሓለፈዩ ክብልዩ ተጣቢቑ።

እንተኾነ፣ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ናይ ቅትለት ገበን ዘይኮነ፣ ዘይተሓስበ ሞት ዘስዓበ ጎነጽዩ ዝብል።

ንሳ፣ ነቶም ኣቦ ምስ ቀተለት፣ ተሰዊራ እኳ እንተነበረት፣ ድሒራ ኣብ ላንድስቱል ናብ ዝርከብ ፖሊስ ባዕላ ኢዳ ሂባ።

ዝቐረበላ ክሲ ናይ ቅትለት ገበንኣይኮነን ዝብል ውሳኔ ስለዝተዋህቦ፣ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ማእሰርቲ ናጻ ተባሂላ፣ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳያ ካብ ደገ ክትከታተል ተፈቒዱላ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0