RADIO ERENA – Wednesday, 27 November 2024
መርገምን ውግዘትን ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ተነቢሩ እናሃለወ፥ ዝካየድ ዘይቀኖናዊ ምርጫ ፓትርያርክ፥ ኣትሪርና ንኹንኖን ንቃወሞን ኣሎና ክብል ኣህጉረ ስብከታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስትን ጳጳሳትን ተሓባቢሮም፥ ባዕላቶም ከሰስቲ፥ ባዕላቶም ፈረድቲ፥ ብምዃን፥ ንሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ፥ ኣብ ዘይፈጸምዎ ገበንን ዘይወዓልዎ ክሕደትን ኣነዊሮም፥ 17 ዓመታት ኣብ ቤት ኣሲሮም ከብቅዑ፥ እቲ ዝመረረ ድማ ኣብ ጊዜ ሞቶም፥ “ኣብ ወልድ ዋሕድ እምነት የለዉን” ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ወጊዞምን ብማእሰርቲ ከምዘማሰንዎምን ብእሱሮም ድማ ብሰማዕትነት ካብ እዛ ዓለም ናብ ሰማያዊ ኣቦኦም ከምዝተኣርነቡን ኣዘኻኺሮም።
እዚ ገበንን ድፍረትን እዚ ዘየጣዓሶም ከሰስትን ፈረድትን፥ ብዝገበርዎ ገበን፥ ውግዘትን ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ርእሲኦም ተነቢሩ እንከሎ፥ ብድፍረት ንኣቡነ ድዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ፥ ንኣቡነ ቄርሎስ፥ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኢሎም ምስያሞም እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ውጽኢት ናይዚ ድማ፥ ሕዝብና፥ ተሰካሚ እዚ ሕርሚ ውግዘት ክኸውን ተፈሪድዎ፥ ኣብ መሪር ምፍልላይን ስቓይን ስደትን፥ ይርከብ ዝበለ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት፥ ድሕሪ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስን፥ ኣቡነ ቄርሎስን፥ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብሰላማውን ቀኖናውን መንገዲ ክፍታሕ፥ ቅዱስ እንጦንዮስ ቅድስናኦም ክኽበረሎም፥ ኣብ ርእሲኦም ዝተነብረ ዘይሕጋዊ ውግዘት “ኣብ ወልድ ዋሕድ እምነት የለውን” ዚብል ናይ ጠቐነን ጸለመን ስም ተላዒሉ፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወገዝዎ ካብ ዝባንና ክወርድን፥ ፍጹም ዕርቅን ምርድዳእን ተገይሩ፥ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ መጓሰን፥ ብሓደ ኣቦን ክትምራሕ፥ ብብዙሕ መንገድታት ከምዝጸዓረን ከምዝሓተተን ኣረዲኡ።
እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ብዘለዉ ኣቦታት ጳጳሳት ንመጸዋዕታን ሕቶን ኣህጉረ ስብከታትን ኣሓት ኣብያ ክርስትያንን ነጺገምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብግበር ኣይትግበር ትእዛዝ መንግስታዊ ሓይሊ እምበር፥ ብነጻነት ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ኪፍጽሙ ስለዘይተብዑ፡ ዝበዝሐ ሕዝብና ካብኦም ዝጽበዮ መልእኽቲ ዕርቂ ጎስዮም፡ ብኣንጻሩ፣ ንሰማዒኡ ይኹን ንተዛራቢኡ፥ ዘይጥዑም ጽዩፍ ቃል ኣይትዛረቡ ከም ዝተባህለ፥ ‘መንካዕ፥ መናፍቓን፥ ተሓድሶ‘… ወዘተ ዚብሉ ፖለቲካውያን ዝጥቀሙሎም ኣጸለምቲ ቃላት ብምስንዛር፥ ንጸዋዒቱ ዕሽሽ ከምዝበልዎ‘ዩ ኣህጉረ ስብከታት ኣመልኪቱ።
እቶም ብመንግስቲ ዝዝወሩ ጳጳሳት፣ “ሕጂውን ድምጺ ደም ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ፡ ድምጺ ብዙሓት ንኣምላኾምን ሕልናኦምን ኪብሉ መከራ ዝጸግቡ ዘሎዉ ግፉዓት፡ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ እናጠርዐ፥ ኣብ ክንዲ ፍትሓት ምርካብን፥ ንዕርቅን ሰላምን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ምሕሳብን፥ ዳግማይ ጌጋ ንምፍጻም፥ ሻዱሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ” ክብል እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ኣተሓሳሲቡ።
“ስለዚ ድማ፣ መርገምን ውግዘትን ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ተነቢሩ እናሃለወ፥ ዝካየድ ዘይቀኖናዊ ምርጫ ፓትርያርክ፥ ኣትሪርና ንኹንኖን ንቃወሞን ኣሎና” ክብል ኣህጉረ ስብከታት፥ ትሽዓተ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ሓባር መግለጽን ውሳኔን ከውጽእ ከምዝተገደደ የፍልጥ።
እቲ መግለጺ፣ አብ ኩለን ገዳማት እትርከቡ አቦታት መነኮሳት፡ ኩሉ ውሉደ ክህነት ኣብ መላእ ዓለም፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ስደት ዝርከብ፥ ሕዝብና ኣብ ምፍልላይ ክነብር ዝገብር፡ ንስደትና ዘንውሕን፥ ምፍልላይና ዘጋፍሕን፥ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ክብል ጸዋዒት ኣመሓላሊፉ።
ቤተ ክርስቲያንና ሉዓላዊትን ርእሰ–ምሕደራ ዘለዋ ኣካል ብምዃና ምትእትታው መንግስትን ፖለቲከኛታትን ዘስዓቦ ቅልውላውን ሕጊ–አልቦነትን ንኹሉ ግልጺ ስለዝኾነ፡ ደው ክብል፥ ኢዶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ከውጽኡ፥ ኩሉ ሓቢሩ ዓገብ ክብል ድማ እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ተላብዩ።
ኣህጉረ ስብከታት፣ ንሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ ድማ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ዝሓቖፈ፣ ኣብ ስደት ዝቖመ ኣካል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ፣ ቅዳሕ ናይቲ ብ09 ሕዳር ዘውጽኦ መግለጺ ናብ ኩለን ገዳማት ኤርትራን ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ልኢኽዎ ኣሎ።
ብምትእትታው ህግደፍ እተመሓደር ከምዘላ እትግለጽ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ጳጳሳታን፣ ን09 ታሕሳስ ሻድሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ኣብ ምሽብሻብ ከምዘለዎ ይፍለጥ።
=========================
COMMENTS