መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ዙር ባንዩዋንጊ ሊየን ክልተ ማልያታት ወኒኑ

RADIO ERENA – Thursday, 25 July 2024

ተቐዳዳማይ ማሌዥያዊት ኮንቲነንታል ቲም ቴሬንጋኑ፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣርሓ ዙር ባንዩዋንጊ ሊየን ብምዃን ብጫ ማልያ ሓፈሻዊ ግዜ ብሒቱ።

ኦሎምፒካዊ መርሃዊ ነዚ ክብሪ`ዚ ዝበቕዐ፡ ሎሚ ሓሙስ 25 ሓምለ 2024፡ ኣብ ዝተኻየደ 162.8 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ራብዓይን ዛዛሚን መድረኽ ናይቲ ዙር፡ ንኹሎም መወዳድርቱ ብነዊሕ ርሕቐት ራሕሪሑ ቀዳማይ ኮይኑ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብድሕሪ ምርጋጹ እዩ።

ብጀካ`ዚ ወዲ ጋንትኡን ወዲ ሃገሩን መትከል እዮብውን ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ንመርሃዊ ስዒቡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

መርሃዊ፡ ኣብዚ ኣብ ኣርባዕተ መድረኻት ልዕሊ 600 ኪሎ ሜትር ዝዓመመ ዙር፡ ብጀካ ብጫ ማልያ፡ ማልያ ንጉስ ዓቐብ” ‘ውን ዋንነቱ ዝገበራ ክኸውን ከሎ፡ መትከል ድማ፡ ኣብ ክልቲኡ ማልያታት፡ ካልኣይ ተርታ ብምስራዕ፡ ምስ መርሃዊ ሓቢሩ ኣብ ፖድየም ደይቡ።

ዙር Banyuwangi Ijen ኣብ ሃገረ ኢንዶኔዥያ ዝካየድ፡ ብ2.2 ደረጃ ዝዕየር ውድድር እዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0