መራሕቲ ግብጺን ኣመሪካን ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተመያይጦም

RADIO ERENA – Thursday, 03 April 2025

ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን፣ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ተኽእሎታት ምቑራጽ ተጻብኦ ሑቲን ብዝምልክት ተመያይጦም።

እቲ ብሰሉስ 01 ሚያዝያ፣ ብቴሌፎን ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ኣብ ጉዳይ ዞባ ቓዛ ዘተኮረ ምንባሩውን ተሓቢሩ።

ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ዝጀመረሉ ምኽንያት፣ ምስ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይዝከር።

ኣብ የመን ወትሃደራዊ ጸብለልታ ዘለዎ ሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከየበለት፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ምጥቃዕ ክቕጽሎ ምዃኑዩ ዝሕብር።

ብሰንኪዚ ናይ ሑቲ መጥቃዕቲ፣ ብዙሓት መራኽብ ጉዕዝአን ብመንገዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይራ ስለዝተገደዳ፣ ግብጺ፣ ኣብ መትረብ ስዌጽ ዓመታዊ ካብ እትርኽቦ ታሪፍ፣ ብኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቆልቆለ ትሕብር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0