RADIO ERENA – Thursday, 03 April 2025
ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን፣ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ተኽእሎታት ምቑራጽ ተጻብኦ ሑቲን ብዝምልክት ተመያይጦም።
እቲ ብሰሉስ 01 ሚያዝያ፣ ብቴሌፎን ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ኣብ ጉዳይ ዞባ ቓዛ ዘተኮረ ምንባሩ‘ውን ተሓቢሩ።
ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ዝጀመረሉ ምኽንያት፣ ምስ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይዝከር።
ኣብ የመን ወትሃደራዊ ጸብለልታ ዘለዎ ሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከየበለት፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ምጥቃዕ ክቕጽሎ ምዃኑ‘ዩ ዝሕብር።
ብሰንኪ‘ዚ ናይ ሑቲ መጥቃዕቲ፣ ብዙሓት መራኽብ ጉዕዝአን ብመንገዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይራ ስለዝተገደዳ፣ ግብጺ፣ ኣብ መትረብ ስዌጽ ዓመታዊ ካብ እትርኽቦ ታሪፍ፣ ብኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቆልቆለ ትሕብር።
==================
COMMENTS