መራሕቲ ኬንያን ኡጋንዳን፣ ንሶማልን ኢትዮጵያን ንምቕርራብ ተበግሶ ከምዝወስዱ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Monday, 02 December 2024

መራሕቲ ኬንያን ኡጋንዳን፣ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዘተ ንምፍታሕ ተበግሶ ከምዝወስዱ፣ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ30 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ምስ ኡጋንዳዊ መዘንኡ፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ ብምዃን፣ ንሶማልን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ትርከብ።

ሉኣላውነታ ብኢትዮጵያ ይግሃስ ከምዘሎ ዝኸሰሰ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቝፉ ኣሻሓት ወትሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ መሬቱ ክጸንሑ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምስሕሓብ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ዝበኣሰ ወጥሪን ምትፍናንን ከየሰጋግሮ ይስጋእ።

ንሶማልን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ፣ ብቱርኪ ዝተወስደ ተበግሶ ኣይተዓውትን።

መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዘተ ክቀርብ እንተኾይኑ፣ እቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኸተመ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ብወግዒ ክስረዝ ከምዘለዎዩ ዝሓትት።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0