ሕብረት ኤውሮጳ ”መ.ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስታፉ ነቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ይወስዶ ኣሎ”

Radio Erena: 17 January 2021

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስታፉ ነቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ይወስዶ ኣሎ ክብል፣ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ።
ምኽትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ጆሰፕ ቦረል ብ15 ጥሪ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ዝዘገሖ ጽሑፍ፣ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክነሱ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብምእታዉ፣ ድሮ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕማቕ ጸልዩዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ቦረል ብተወሳኺ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝለገሶ ናይ 88 ሚልዮን ዩሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣደስኪልዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምእታው ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ተጋራጫዊ ምላሽ እዮም ክህቡሉ ጸኒሖም።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሕዲሩዎ ዘሎ ከቢድ ጽልዋ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብሮኡ ከምዝመዛበል ገይሩ ይርከብ።
ጆሰፕ ቦረል ኣብ መግለጺኡ፣ ካብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝመጻና ዘሎ ጸብጻባት ኣዝዩ ዘሰምብድ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ዓሌት ዝሰረቱ ግፍዒ፣ መቕተልቲ፣ ዝምታ፣ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝኣመሰሉ ምስ ገበናት ኲናት ዝጽብጸቡ በደላት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ይወርድ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ንዝኣተዎ መብጽዓ ከተግብር ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ብፍላይ እቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ዘድልዮም ጽጉማት ዝሕገዝሉ ባይታ ክርከብ ተማሕጺኑ።

========================