ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘዋፈሮ ወትሃደራዊ ተልእኾ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ኣናዊሑ

RADIO ERENA – Wednesday, 18 December 2024

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ።

ምስ ምስዕራር ቅርሰና ባሕሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፡ ኣብ 2008 ዝተበገሰ ወትሃደራዊ ወፍሪ፡ ክሳብ 2027 ክቕጽል ምዃኑ ዩ ባይቶ ቲ ሕብረት፡ ብ16 ታሕሳስ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እቲ ኣታላንታዝተሰምየ ወፍሪ ባሕርያ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ክሳብቲ ናብቲ ዞባ ዝቐረበ ክሊ ማይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝዝርጋሕዩ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር ዝዋሳኣሉ ወትሃደራዊ ወፍሪ ፡ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንዝፍጽሞ መጥቃዕትታ ንምግታእውን ዝዓለመዩ።

ወትሃደራዊ ተልእኾ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2024፡ ንልዕሊ 2 400 መራኽብ ካብ መጥቃዕትን ጭውያን ከምዝተኸላኸለለንዩ ዝጠቅስ።

ይኹንምበር፡ ኣብቲ ክሊ ማይ፡ 139 መራኽብ ክጥቅዓን ክጭወያን እንከለዋ፡ 2600 ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ፡ 16 ሽሕ ኪሎ ዝምዘን ዕጸ ፋርስን ሓሺሽን ኣብቲ ክሊ ማይ ብምሓዝ፡ ኣብ ምስግጋሩ ዝነጥፉ ዝነበሩን ቀርሰንቲ ባሕሪን ምዃኖም ዝተጠርጠሩ 177 ሰባት ድማ ናብ መንግስታት ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ከምዘረከበ የመልክት።

እቲ ወፍሪ መሻርኽቱ ምስ ዝኾና ሃገራት እቲ ዞባ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድን ወፍርታትን ከምዘካይድ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0