RADIO ERENA – Monday, 10 March 2025
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንፈጣን ሓይልታት ሱዳን ብምድጋፍ፣ ህልቂት ፈጺማ ክብል መንግስቲ ሱዳን ወግዓዊ ክሲ ከምዝመስረተ፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንፍትሒ፣ ብ7 መጋቢት ኣብ ዘዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣፍሊጡ።
ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ እታ ሃገር ጃምላዊ ቅትለት፣ ዓመጽ፣ ዝምታን ዕንወትን ንብረትን ካልእን ገበናትን ከምዝፈጸመ ክሲ ዘቕረበ መንግስቲ ሱዳን፣ ዚ ድማ ሕቡራት ኢማራት ብዝገበረትሉ ድጋፍ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ እቲ መሰረት ዘይብሉ ዝበለቶ ክሲ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍድሪ ከይርአን ቀልጢፉ ክስሓብን ጸዊዓ ኣላ።
ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወትሃደራዊ፣ ፖለቲካን ሎጅስቲካውን ደገፍ ከምዝግበረሉ መንግስቲ ሱዳን ክወቕስ ጸኒሑ‘ዩ።
ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ካርቱምን ካልእ ከባቢታት ሱዳን ዓሪዱ ዝነበረ ፈጣን ሓይልታት እናደፈአ ኣብ ዝግስግሰሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሱዳን ክልተ ምንግስታት ንምቛም ድፍኢት ትገብር ዘላ‘ውን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ‘ያ እናተባህለ‘ያ ትውቀስ።
ኣብ ሱዳን ክልተ መንግስታት ምቛም ዝብል ሓሳብ፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ቀጠረን ከምዘይቅበልኦ ድሮ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
===================
COMMENTS