ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

Radio Erena : 25 May 2015

ethio

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ 24 ግንቦት ኣብ ዝኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫም ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ክዕወት ምኻኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ትማሊ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ መብዛሕትኡ ክልላት እታ ሃገር ብዘይዝኾነ ተቓውሞ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ካፋ፣ ቦንጋ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ከባቢ ጊምቦ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ንኢህወደግ ዝወከለን ብውልቁ ዝወዳደር ዝነበረ ሰብን ብሰንኪ ዝተኻየደ ግጭት እቲ ንትማሊ ክካየድ ዝተወጠነ ሓፈሻዊ ምርጫ እቲ ከባቢ ንኻልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ንምክትል ሓላፊ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ብምጥቃስ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

 

እቲ ምርጫ ናብ መዓስ ከምዝተሰጋገረ ግና ኣይተፈልጠን።

እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ተዓዘብቲ ምርጫ ካብ ዝተፈላለየ ናይ መምረጺ ነቑጣታት ከምዝተሰጉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ምውቃሶም’ውን ጠቒሳ።

ውጽኢት ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ 22 ሰነ ብወግዒ ክፍለጥ’ዩ።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0