RADIO ERENA – Wednesday, 20 November 2024
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኤርትራውያን ኣዴታት ብመጻምድተን ከምዝተቐትላ ዝገልጽ ሓበሬታታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ዳያስፖራ ኤርትራውያን ስምባደ’ዩ ፈጢሩ።
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፣ ብመጻምድተን ክቕተላ ናይ መጀመርያ’ኳ እንተዘይኮነ ይደጋገም ምህላዉ ግን ‘እዚ ጉዳይ ብኸመይ ይፈታሕ’ ኣብ ዝብል ንሓያሎ ሓሰብቲ ኤርትራውያን ኣሻቒሉን ኣዘራሪቡን ይርከብ።
እዚ ናይ ቅትለት ፍጻሜታት፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ናይ በሰላ መግዳእቲ (Post-traumatic stress disorder (PTSD) ) ዘኸተሎ ክኸውን ከምዝኽእል ‘ዮም ክኢላታት ዝገልጹ። ንምፍዋሱ ድማ ኣብ ስነ ኣእምሮ፣ ስነልቦና ካልእን ብዙሕ ጻዕርታት ከምዘድሊ የመልክቱ።
መብዛሕቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ከቢድ መስገደላት ሰጊሮም ዝሓልፉ ምስ ምዃኖም፡ ኣብ ኣእምሮኦም ዝገደፎ በሰላን ስንባደን፣ ዝተረጋግአ ናብራ ከይመርሑ የሸግሮም ምህላዎም’ዮም ክኢላታት ዘረድኡ።
ካብ ዶብ ኤርትራ ምስጋር ኣትሒዙ፣ ሳሃራ፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን፡ ገለኦም ድማ ብሲናይ ዝሓለፉን፣ ብዙሓት’ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸርተቱን ምስ ምዃኖም፣ ናይ ኣእምሮ ፍወሳ የድልዮም’ ዩ በሃልቲ እቶም ክኢላታት።
በዚ ዝተጠቕሰ መንገድታት ሓሊፎም ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ዝሓሸ ትንፋስ ዝረኸቡለን ሃገራትን ክበጽሑ ዝኸኣሉ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ብዘሰጋግርዎም ሰባት ግዳያት ስቓይ፣ ፍርሕን ዓመጽን ኣብ ርእሲ ምዃኖም ሰሃርን ባሕርን ብዘይውሕስነት ምስጋር’ውን ዝፈጥሮ ናይ ኣእምሮ ራዕዲ ኣሎ።
ብመሰረት መግለጺ ክኢላታት፣ እዚ ሕማቕ ተመክሮታት፥ ኣብ ኣእምሮ ዘይሃስስ በሰላ፡ ስንባደን መጉዳእትን ስለ ዝገድፍ ኣብ ዝተናውሐ ወላውን ኣብ ዝተረጋግአ ቦታ ዕረፍቲ ይኸልእ።
እዚ በሰላታት’ዚ፥ ርእሰ-ተኣማማንነት ከየጥርዩ፡ ሓላፍነታውያን ከይኮኑ፡ ዓቕሊ ከጽብቡ፡ ክርበሹን ከይረጋግኡን ክደፋፍኦም ‘ውን ይኽእል።
ኣብ ስደት፥ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳን ኣውስትራልያን ካልኦት ሃገራትን ምስ በጽሑ’ውን ዝገጥሞም ክውንነት ከም ትጽቢቶምን ስለዘይከውን፡ ሕክምናዊ ሓገዝ እንተዘይረኺቦምን ብስራሕ ምስ ዘይጽመዱን፣ ምስቲ ዘለዎም ናይ ስምባደ ስምብራታት ተደሚሩ፣ ናብ ዘይተደልየ ጎንጺን ሓይሊ ምጥቃምን ከምርሖም ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣኣብ ዝነብሩሉ ኣከባቢ ብዘይስክፍታ ብክኢላታት ስነ -ኣእምሮ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓቱ ከምዝግባእ ‘ዮም ክኢላታት ዝመኽሩ::
ሓያሎ ሰባት ኣብ ኩነታት ስነ ኣምርኦም ጥዑያት ዘለዉ ዝመስሎም እኳ እንተኾነ፡ ጸቕጢ ምስ ዝገጥሞም ኣብ ውሽጦም ዝተደጎለ ስምብራት ‘ዩ ዘገንፍል።
ስለዚ ድማ’ዩ ንክኢልታታ ስነ ኣእምሮ ብምውካስ፣ ፍወሳ ምርካብ ሓጋዚ ዝኸውንን።
COMMENTS