RADIO ERENA – Wednesday, 11 December 2024
ኣብ መንጎ ‘ቶም ብ‘ዳርዊሽ‘ ዝፍለጡ ሓይልታት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን፡ ግጭት ከምዝተኻየደ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ማናራኒ ኣብ ዝተባህለ ሰሜናዊ ከተማ ራስካምቦኒ፡ ብረቡዕ 11 ታሕሳስ ዝተኻየደ ግጭት፡ መበገሲኡ ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ይኹን‘ምበር፡ ሓይልታት ዳርዊሽ ጁባላንድ፡ ኣብቲ ከባቢ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናብ ዝርከበላ ኦዶው ክጽጋዕ ዝተዓዘበ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሃንደበታዊ መጥቃቲ ከምዝኸፈተ ‘ዮም ምንጭታት ‘ታ ሃገር ዝጠቕሱ።
እታ ኣስታት 6 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ራስካምቦኒ ርሒቓ እትርከብ ዒላ፡ ኣብቲ ከባቢ እታ እንኮ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝርከበላ ቦታ ብምዃና፡ ኣብ ከባቢኣ ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብጽኑዕ ‘ዩ ዝሕልዋ።
ነቲ መጥቃቲ ዘበገሰ‘ውን ናብቲ ከባቢ ዝተጸግዑ ሓይልታት ጁባላንድ፣ ነታ ምንጪ ማይ ክቖጻጸሩዋ‘ዮም ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ይግመት።
መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፡ ሓይልታቶም ኣብቲ ግጭት ጸብለልታ ከምዝነበሮም ክገልጽ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ግና ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየደቶ ምርጫ፡ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ኣሕመድ ማዶበ፡ ንሳልሳይ እዋኑ ፕረዚደንት ኮይኑ ምዕዋቱ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፡ ፈደራላዊ መምግስቲ ንዝደፍኣሉ ዘሎ ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ኣብ ርእሲ ምቅዋሙ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ወትሃደራውን ጸጥታውን ርክባት የካይድ ከምዘሎ ‘ዩ ዝግለጽ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================
COMMENTS