ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፤ ኣዳልዩዎ ዘሎ እማመ ሰላም፤ ንዘይተወሰነ እዋን ኣናዊሑዎ ከምዘሎ ገሊጹ

Radio Erena: Monday, 07 August 2023

ሓለፍቲ’ቲ ምንቅስቓስ ብዕለት 5 ነሓሰ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ምድንጓይ፤ ተወሰኽቲ ሲቪላውያን ውድባት ንምእካብን ነቲ እማመ ንምዕሟቕን ምዃኑ ሓቢሮም።

ውግእ ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ደው ንምባል፤ ብሓያሎ ትካላት፤ ጎረባብቲን ሃገራት ምዕራብን እማመታት ንዘተ ሰላም ክቐርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እቶም ወተሃደራውያን ሓይልይታት ብዘቐመጡዎም ቅድመ ኩንታት፤ ኣብ ዕጹው ማዕጾ እዩ ክበጽሕ ጸኒሑ።

ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝጠልቡ ምንቅስቓሳት ላዕለዋይ መራሒ ያሲር ኣርማን፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ እማመ ሰላም፤ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ ውድብ ኣብቲ ዘተ ክጽምበር ምሕታቱ ከምዘጉሃዮ ገሊጹ’ዩ።

ብካልእ ወገን፤ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ንማእከላይ ዳርፉር ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸሮ ኣፍሊጡ።

መጀር ጀነራል ዓሊ ያቁብ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፤ ሰራዊት ኣልቡርሃን ኣብ መዓስከር ንዝነበሩ ስደተኛታት ከም ድፋዕ ተጠቂሙሎም ክብል ከሲሱ።

ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ብወገኑ፤ ኣብቲ ገና ይቕጽል ኣሎ ዝበሎ ኲናት፤ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ገጢሙ’ሎ ክብል ገሊጹ።

እዚ ብክልቲኦም ሓይልታት ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት፤ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0