ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንሩስያን ዩክሬይንን ናብ ዘተ ሰላም ንምቅርራብ ዝዓለመ ዑደት ናብ ክልትኤን ሃገራት ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: Thursday, 15 June 2023

መራሕቲ ግብጺ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኡጋንዳ፣ ሰኔጋል፣ ዛምብያን ኮንጎ ብራዛቪልን፣ ሩስያን ዩክሬይንን ናብ ዘተ ሰላም ክቐርባ ንምዕዳም ዝዓለመ ዑደት ናብ ክልትኤን ሃገራት ከካይዱ ምዃኖም መርበባት ዜና ገሊጸን።

እቶም መራሕቲ፣ ቅድሚ’ቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ናብ ከተማታት ሞስኮን ኪየቭን ብምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ፑቲንን ዩክሬናዊ መዘንኡ ዘለንስኪን ክመያየጡ ‘ዮም።

ዕላማ ‘ቲ ዕለቱ ብንጹር ዘይተጠቕሰ ዑደቶም፣ ነቲ ንመላእ ዓለም ናብ ደምበታት ምምቕቓል፣ ምትፍናናን ቁጠባዊ ቅልውላውን ሸሚሙዋ ዘሎ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን ብዘተ ዝፍትሓሉ ተኽእሎታት ንምንዳይ’ዩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራሞፎሳ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ዋዕላ ብሪክስን ዑደት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሞስኮን ኪየቭን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ቻይና፣ ዚ ዢፒንግ ብቴሌፎን ከምዝተዘራረበ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ንውዕል እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝኸተመት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብጉዳይ እቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ እንጋድ ዋዕላ ብሪክስ ክሳተፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ሻቕሎት ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ንብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ ዋዕላ ሓሙሽተ ሃገራት ብሪክስ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን፣ ብጉዳይ ክሲ ገበናት ኵናት ኣብ ዩክሬይን ተመሓላልፉ ዘሎ፣ ኣብ ዝገሸሉ ሃገር ተተሓሒዙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝብል ትእዛዝ፣ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ቻይና ክሰጋገር ከምዝኽእል’ዩ ዝምልከት።

እንተኾነ ኣፈኛ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብ13 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዛጊት ብዘለዎ ኣፍልጢ እቲ ዋዕላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝካየድ’ዩ ሓቢሩ።

ዝበዝሐ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ምትእስሳራ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነቲ ዋዕላ ብምትእንጋድ፣ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መሬታ ክትቕበሎ እንተኽኢላ፣ ግዳይ ጸቕጢን እገዳን ክትከውን ከምእትኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን፣ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይካ’ቲ ኣስዒቡለን ዘሎ ናይ ሸመተ እኽሊን ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ዲፕሎማሲን ፖለቲካዊ መርገጺታት ጸቕጢ ‘ውን ፈጢሩለን ይርከብ።

ካብ 26 ክሳብ 29 ሓምለ፣ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ካብቲ ኣብ ቁጠባ፣ ንግዲ ወፍርን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ ጽላታትን ንላዕሊ፣ ናብ ደገፍን ፖለቲካዊ መርገጺን ምስ ሩስያ ከይዛዙ ዘሳቐለን ሃገራት ምዕራብ፣ በብወገነን ዲፕሎማስያዊ ወፍርታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0