RADIO ERENA – Thursday, 13 June 2024
ዕጡቓት ሑቲ ብዝወንጨፍዎ ሚሳይላት፣ ብቀይሕ ባሕሪ ትሓልፍ ንዝነበረት ዓባይ ናይ ንግዲ መርከብ ከምዘጥቅዐ ኣምብረይ ዝተባህለ ትካል ድሕነት ባሕሪ ኣፍሊጠን።
እታ ናብ 09 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ፣ ገለ ክፋላ ባርዕ ፈጢሩ እኳ እንተነበረ፣ ሰራሕተኛታታ ብዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዝጠፍአ ‘ዩ ተሓቢሩ።
እንተኾነ፣ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጽኡ ዕጡቓት፣ ጽዑቕ ቶዅሲ ከምዝኸፈቱላን፣ እታ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወት መረክብ፣ መንገዲ ቀይራ ናብ ካልእ ወደብ ንምጽጋዕ ከምዝተጓየየትን እቲ ትካል ጠቒሱ።
ካብ ባርዕን ምጥሓልን ዝደሓነት’ታ መርከብ፣ ናበየናይ ወደብ ከምዝተጸገዐት ኣየነጸረን።
ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታታ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ’ዩ ተመልኪቱ።
ሑቲ ነታ መርከብ ዘጥዕቕ ዘሎ፣ ብኣመሪካን ብሪጣንያን ዝመርሐ ወትሃደርዊ ስርሒት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ዕጡቕ፣ ጽዑቕ ናይ ነፈርትን ድሮናትን ደብዳብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
እቲ ጉጅለ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከየበለት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ ምስታ ሃገር ምትእስሳር ብዘለወን ኩባንያታት ዝውነና መራኽብ ብሚሳይላትን ድሮናትን ምጥቃዕ ክቕጽሎ ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።
==========================
COMMENTS