ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይዶ መጥቃዕታት ናብ ወሽመጥ ዓደን ኣስፊሕዎ

RADIO ERENA – Thursday, 27 June 2024

ዛጊት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ 60 መራኽብ ፈተነ መጥቃዕቲ ዘካየደን፣ ንሓንቲ ጅሆ ዝሓዘን ንኽልተ ድማ ዘጥሓለን ዕጡቕ ሓይሊ የመን ሑቲ፣ ዒላማታቱ ናብ ወሽመጥ ዓደን ከምዘስፍሐ ተገሊጹ።

ሑቲ፣ ካብ ቀዳም 22 ሰነ ኣትሒዙ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ መጥቃዕታትቱ ኣጽዒቑ ድሕሪ ምጽናሕዩ፣ ናብ ወሽመጥ ዓደን ኣስፊሕዎ ዘሎ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፣ ንድሕነት ባሕሪ ዝከታተልን ትካል ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ሑቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ኣብ ክሊ ማይ ዖማን ንዝነበረት መርከብ ሚሳይላት ከምዝወንጨፈላ ኣረጋጊጹ።

ሑቲ መጥቃዕታት ናብ ወሽመት ዓደን ዘስፍሕ ዘሎ፣ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ተዋፊራ ዝነበረት፣ ዲ.ዋይት ኣይዘንኣዋር ዝተሰምየት፣ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እትስከም፣ ዓርሞሽሽ ናይ ኵናት መረከብ ኣመሪካ፣ ካብቲ ክሊ ማይ ከምዝገዓዘት ምስ ተፈልጠዩ።

ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ነቲ ንመራኽብ ንግዲ ዓለም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ሑቲ፣ መጥቃዕታቱ ንምግታእ ዘካየድኦ ወትሃደራዊ ወፍርታት፣ ከምዘይተዓወተዩ ዝትንተ።

ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት ደው ከብል እንተኾይኑ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ወፍሪ ደው ከተብልዩ ዝጽውዕ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0