ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራኽብ ናይ ምጥቃዕ ስርሒታት ቀጺሉ

Radio Erena: Thursday, 14 December 2023

ሑቲ ናይ የመን፣ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ዝበለን መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጥቃዕ ስርሒታት ይቕጽሎ ኣሎ።

ሑቲ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፣ ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ዝተፈላለየ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ጭፍራ መራኽባ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብን ቀይሕ ባሕሪን ኣዋፊራ እትርከበ ፈረንሳ፣ ሑቲ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ እተመላልስ ናይ ነርወይ መርከብ መጥቃዕቲ ንዘካየዳ ድሮናት ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።

እታ መርከብ፣ ናብ እስራኤል ዝዓለመ ነዳዲ ዝጸዓነት ምንባራ’ዩ ሑቲ ጠቒሱ።

ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ኩባንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ እታ መርከብ ነዳዲ ከምዘይነበራን ናብ እስራኤል’ውን ተምርሕ ከምዘይነበረትን ብምጥቃስ፣ ካብ ማሊዥያ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ ተምርሕ ምንባራ’ዩ ሓቢሩ።

ሑቲ፣ ብዘይካዚ ዛጊት ዋንነት ኣብ ልዕሊ ዘይተሓበረ መርከብ’ውን ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝግለጽ ሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ንእትፍጽሞ ዘላ ኣልማማ መጥቃዕቲ ዘለዎ ንምቕዋምን ንህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽን፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ፈቲኑ’ዩ።

ብፍላይ ምስእ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ንዝበለን መራኽብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝመላለሳሉ እዋን፣ ብድሮንን ሚሳይላይን ከጥቅዕን ንገሊኦም ድማ ብዓግትን ‘ዩ ዝርአ።

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ናይተን ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ዝበለን መራኽብ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0