ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከቢድ ጉድኣት ዘውረደላ ናይ ግሪኽ መርከብ ከምዝጠሓለት ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Wednesday, 20 June 2024
ሑቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘጥቅዓ ዝተገልጸት፣ ብናይ ግሪኽ ኩባንያ እትውነን፣ MV Tutor ዝተሰምየት ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ከምዝጠሓለት ተሓቢሩ።
ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባህሪ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ብ16 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እታ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብዝተወንጨፈላ ሚሳይላት፣ ኣብ ሞቶርኣ ከቢድ ዕንወት ስለዘውረደ፣ ክትንቀሳቐስ ከምዘይክኣለትን፣ ማይ ከተልሑኽ ከምዝጀመረትን ሓቢሩ ኔሩ’ዩ።
እቲ ሰራዊት፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ተዋፊራ እትርከብ፣ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እትስከም፣ ብዲ ዋይት ኣይዘንኣዋር እትፍለጥ ዓባይ ናይ ኵናት መርከብ ኣመሪካ፣ ናይ ርድኡና ህጺጽ ጻውዒት ስለዝተቐበለት፣ ንሰራሕተኛታት እታ ዝተሃርመት መርከብ ብሄሊኮፕተራት ከምድሕንዎም ከምዝኽኣለኡን፣ እታ መርከብ ድማ እናተሳሕበትን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስደትን’ዩ ጠቒሱ።
እንተኾነ፣ እታ መርከብ፣ ከቢድ ጉዳት ስለዝወረዳ፣ ድሒራ ከምዝጠሓለት ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ሓቢረን።
ሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቓዕቲ ካብ ዝጀመረትሉ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ኣትሒዙ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ናብ ዝመላለሳ ሓያሎ መራኽብ ሚሳይላትን ድሮናትን ወንጪፉ’ዩ።
ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ዘሎ ሑቲ፣ መጥቃዕቲ ካብ ዘካየደለን መራኽብ፣ ምሉእ ብምሉእ ዝጠሓላ ክልተ በጺሐን ኣለዋ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0