Radio Erena: Thursday, 30 May 2024
ሑቲ ናይ የመን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ግዝኣት ማሪብ፣ ናይ ኣሜሪካ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዘውደቐ ገሊጹ።
ወሃብ ቃል ሑቲ ያህያ ሳሪ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል የመን ማሪብ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ MQ-9 Reaper ዝተሰምየት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ከምዘውደቑ ገሊጹ።
እዛ ብሑቲ ካብ ዝወደቓ ሻድሸይቲ ምዃና ሑቲ ዝገለጻ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ከምዝተሃርመት ሓቢሩ።
ሑቲ ናይ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ ናይ ንግዲን መጓዓዝያን መራኽብ፣ መንገደን ክቕይራ ከምዘገደደን ይፍለጥ።
ቀይሕ ባሕሪ 23 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ንግዲ፣ 25 ሚእታዊት ድማ ናይ ነዳዲ ዝሓልፈሉ መስመር ብምዃኑ ንቁጠባ ዓለም ክጸልዎ እንከሎ ግብጺ ድማ ብመትረብ ስዊዝ ካብ ዝሓልፋ መራኽብ ክትረኽቦ ዝነበራ ኣታዊ ተጓዲሉዋ ኣሎ::
ሑቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ዝግበር ዘሎ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ ናይ እስራኤል እየን ዝበሉወን መራኽብ መጥቃዕትን ቅርሰናን ከካይድ ጸኒሑ::
==========
COMMENTS