ሑቲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንእትሓልፍ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ናይ ካርጎ መርከብ፣ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱላ

RADIO ERENA – Wednesday, 19 June 2024

ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ኣብ ልዕሊ ዝበለን ሃገራት ዝርከባ ኩባንያታት ዝውንነኣን መራኽብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጥቅዕ ዘሎ ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ግሪኽ መርከብ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ሰራዊት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባህሪ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ብ16 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እታ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብዝተወንጨፈላ ሚሳይላት፣ ኣብ ሞቶርኣ ከቢድ ዕንወት ስለዘውረደ፣ ክትንቀሳቐስ ከምዘይክኣለትን፣ ማይ ከተልሑኽ ከምዝጀመረትን ዩ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ክሊ ማይ ተዋፊራ እትርከብ፣ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እትስከም፣ ብዲ ዋይት ኣይዘንኣዋር እትፍለጥ ዓባይ ናይ ኵናት መርከብ ኣመሪካ፣ ናይ ርድኡና ህጺጽ ጻውዒት ስለዝተቐበለት፣ ንሰራሕተኛታት እታ ዝተሃርመት መርከብ ብሄሊኮፕተራት ከተድሕኖም ከምዝኸኣለት፣ እቲ ሰራዊት ኣረጋጊጹ።

እታ ዕንወት ዝበጽሓ MV Tutor ዝተሰምየት መርከብ፣ እናተሳሕበትን እናተሓገዘትን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዘት ዝሓበረ እቲ ሰራዊት፣ ሑቲ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ኣመሪካ መርከብ መጥቃዕቲ ኣካይደ ዝበሎ ግና ሓቅነት ዘይብሉ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ዝርከብ ሑቲ፣ ናብታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ ዝኾነት፣ ዲ ዋይት ኣይዘንኣዋርውን ሚሳይላት ከምዝወንጨፈ ዩ ገሊጹ።

ሑቲ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅን፣ ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ 8 መራኽብ ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዘካየደን፣ ክልተ ካብኣተን ብሚሳይል ከምዝተሃርማን ኣብ ድሕነት ባሕሪ ዘተኩራ ትካላት ይጠቕሳ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0