ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን፣ ኬንያ ኲናት ሱዳን ንክጎሃሃር ትሰርሕ ኣላ ክብል ከሲሱ

Radio Erena: Tuesday,25 July 2023

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን፣ ኬንያ ኲናት ሱዳን ንክጎሃሃር ትሰርሕ ኣላ ክብል ከሲሱ።

ለተናል ጀነራል ያሲር ኣል-ዓጣ ብ23 ሓምለ ንሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኬንያ ብርኡይ ንሓምዳን ዳግሎ ደገፍ እንዳገበረት፣ ከም ሸምጋሊት ኮይና ክትቀርብ ኣይትኽእልን’ያ ክብል ከሲሱ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ምስ’ቶም ‘ልኢኾሞ’ ዝበሎም ሃገራት ኮይኑ ጸጥታ ሱዳን ካብ ምዝራግ ክቑጠብ ኣለዎ ኢሉ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ንጉዳይ ሱዳን ክከታተል ብኢጋድ ዝቖመ ጉጅለ ክመርሕ’ዩ ጸኒሑ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ዊልያም ሩቶ ጸግዒ ሒዙ ስለዘሎ፣ ካብቲ ናይ ሽምግልና ጉጅለ ክወጽእ ክሓትት ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ናይ ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ ክሲ ግና ደረቱ ዝሓለፈ እዩ ክብሉ ሰበስልጣን ኢጋድ ገሊጾም።

ራብዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ንምሽምጋል፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይተረኽቦን ዘሎ።

ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ምትእኽኻብ ሲቪካውያን ማሕበራት ብወገኑ፣ ብሰኑይ ዝጀመረ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።

ኣብ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ዘይተጠርነፉ ማሕበራት ሰብ ሞያ እውን፣ ኣብ ሱዳን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቖመሉ እማመ ሰላም ብምድላው ኣብ ዋዕላ ካይሮ ይሳተፉ ኣለዉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0