ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተሸይሙ

RADIO ERENA – Tuesday, 08 April 2025

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፣ ልዩተናትን ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኸውን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብሰሉስ 08 ሚያዝያ 2025 ተሸይሙ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ፣ ብሰኑይ 07 ሚያዝያ፣ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ግዝያዊ ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ንዝነበረን፣ ምስ ህወሓት ብዝተፈጥር ምስሕሓብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃደመን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ከምዝተሰናበተ ኣፍሊጡ።

ብህወሓትን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ተቐባልነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ጀንራል ታደሰ ወረደ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምክፍፋልን ሃጓፋትን ብመጠኑ ክሀድእን ክመልእን ይኽእልዩ ተባሂሉ ይእመን።

እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ውትህድርናን ዓውደ ኩናትን ደኣምበር ኣብ ፖለቲካ ብዙሕ ተሞክሮ ከምዘይብሉ ዝንገረሉ ጀነራል፣ ነታ ዳግም መናሃርያ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይትኸውን እትስጋእ ትግራይ፣ ኣንጸላልዩዋ ካብ ዘሎ ደበና ውግእን ወረ ውግእን ከናግፋ ድዩ ወይስ ናብ ዝበኣሰ ከውድቓ ግዜ ዝምልሶዩ።

ጀነራል ታደሰ፣ ፕረዚደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ኣብ ዝተሸመሉ፣ ቀዳምነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎም ምዃኑ ካብ ዝኸተምሉ መብጽዓታት ሓደ፣ ምምላስ ናይቶም ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ዘለዉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተወለድቲ ናይታ ክልልዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፣ ጸጥታ ናይቲ ክልል ኣብ ምርግጋእ፣ ኣብ ትግራይ ደሞክራስያው ምርጫ ንኽካየድ ባይታ ምጥጣሕ፣ ምትእስሳርን ምትእምማን ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ምሕያል፣ ልሞዓትን ዳግመ ሕውየትን ምቅልጣፍ፣ ምርካብ ኣጽዋርን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ምጥያስን ዝኣመሰሉ ይርከብዎ።

ስእሊ፣ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0